BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ኤርትራ ንመግለጺ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያን ጌታቸው ረዳን ዝሃበቶ ምላሽ
ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ምስ ጌታቸው ረዳ ተላፊኑ ኣብ ኣልጀዚራ ንዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "ትያትራውን ፈጠራውን" ክስታት ብምባል ሓቅነት ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ፡ መንግስቲን ህወሓትን ኣብ ዝፋጠጥሉ፡ ኦባሳንጆ ኣብ መቐለ ተዛትዩ
ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ብ11 ሰነ ናብ ርእሰ-ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ብምጕዓዝ ምስ ሰበስልጣን ህወሓት ዘተ ኣካይዱ።
'ዋንጫ ዓለም ይካየድ ኣሎ ድዩ'፡ ኣመሪካውያን ብዛዕባ እቲ ውድድር እንታይ ይፈልጡ?
ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ፍርቂ ካብቶም ዝተሓተቱ ኣመሪካውያን ብዛዕባ ኣብ ሃገሮም ዝእንገድ ውድድር ዋንጫ ዓለም ግዲ የብሎምን።
ኢሎን ማስክ ቀዳማይ ወናኒ ትሪልዮን ሃብቲ ዓለምና ኰይኑ
እቲ መስራቲ ተስላን ስፔስኤክስን፡ ብመሰረት ዝርዝር ሃብታማት ብሉምበርግ፡ ሓፈሻዊ ሃብቱ 1.11 ትሪልዮን ዶላር ብምብጻሕ፡ ነቲ ናይ ዓለምና ዝሃብተመ ሰብ ዝብል ደረጃኡ ኣጽኒዑ ዓቂቡዎ ይርከብ።
ውዕል ምብቃዕ ውግእ ኢራን፡ ናብ ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ ክመርሕ ድዩ?
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓራግቺ ኣብ ሃገራዊ ማዕከናት ዜና ከም ዝተጠቕሶ፡ እቲ ዛዛሚ ውዕላት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኢራን፡ "ደገፍትን ተቓወምትን" ከም ዘለዉዎ ገሊጹ ኣሎ።
ኢራንን ኣመሪካን ምቍራጽ ተዅሲ ክዕቅባ ዝኸበደሉ 4 ምኽንያታት
እቲ ኣብ ምያዝያ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንምጥንኻር ስለምንታይ እዩ ክሳብ ክንድዚ ኣጸጋሚ ኰይኑ፧ ብመሰረት መግለጺን ትንተናን ክኢላታት፡ ኣርባዕተ ምኽንያታት ቀሪቡ'ሎ፤
ኣብረርቲ ሄሊፕተር ንምድሓን ኣብ ጥቕሚ ብዛዕባ ዝወዓላ ድሮናት ባሕሪ እንታይ ትፈልጡ?
ብመሰረት ሓበሬታ ወተሃደራዊ ትካል ኣመሪካ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዖማን ዝወደቐት ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ንዝነበሩ ክልተ ኣብረርቲ ንምድሓን ናይ ባሕሪ ድሮን ኣዋፊሮም ኣለዉ።
ኣመሪካ፡ ዝምርመር ዘሎ ኣብ ሳዕሪ ዝተጻሕፈ '8-6-4-7' እንታይ'ዩ ምስጢሩ?
"ኤይቲ-ሲክስ" (86)፡ "ምእላይ" ዝብል ትርጕም ዘለዎ ናይ ጐደና ኣዘራርባ ኰይኑ፣ ሰበስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ድማ እቶም ቍጽርታት ኣንጻር እቲ መበል 47 ፕረዚደንት ዝዀነ ትራምፕ ናዕቢ ንምትብባዕ ዝተሓሰቡ እዮም ይብሉ።
ረቂቕ ኣዋጅ ትግራይ፡ ብሞት ዘቕፅዑ ዓንቀፃቱን ዝፈጠሮ ስክፍታን
እቲ 44 ገፅ ዘለዎን ኣብ ሽድሽተ ምዕራፍ ዝተወደበን ረቂቕ ኣዋጅ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘይተለምዱን ካብቲ ስሩዕ ክልላዊ ኰነ ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ ወፃኢ ትርጓመታት ዝወሃቦም ገለ ድንጋታት ዝሓዘን ኰይኑ ይርአ።
ስዑዲ ዓረብ 4 ኢትዮጵያውያን ብሞት ትቐፅዕ፡ ኢትዮጵያ 1600 ብምሕረት ከም ዝተፈትሑ ትገልፅ
ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንሞት ዝተፈርዱ ኢትዮጵያውያን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃይማኖታዊ መልእኽትን ሕጊ ሸሪዓን ብምጥቃስ ኣስማት እቶም ግዳያት ይዝርዝር።
ውጽኢት ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 2026 ኣብዚ ሰሌዳ ተኸታተሉ
ኣብ 13 ሓምለ 1930 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኡራጋይ ዝጀመረ ዋንጫ ዓለም መልክዑን ቅርጹን እናቐያየረ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓንሳብ እናተኻየደ ሎሚ ዓመት ንመበል 23 ግዜ ንምክያድ ካብ11 ሰነ ክሳብ 19 ሓምለ ክካየድ'ዩ።
ኤርትራን ግብጽን ስትራተጅያዊ ምሕዝነተንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ንምድልዳል ተሰማሚዐን
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶክተር በድር ዓብደልዓጢን ብ10 ሰነ 2026 ኣብ ካይሮ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶምን ስምምዓት ፈሪሞምን።
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ቪድዮ, ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ እቲ ዝኸበረ ኲናት ኣመሪካ ድዩ?
ኣመሪካ ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ብዙሕ ወፍሪ እያ ትገብር፣ እዚ ኣብ ዓመት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ይበጽሕ። ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ባጀት ምምሕዳር ትራምፕ ብዓቢኡ ምስ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ዝሰማማዕ እዩ።
ቪድዮ, ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ራዕዲ ንምፍጣር ብኸመይ'ያ ሕሱራት ድሮናት ትቀጥም ዘላ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጸም ምስ ጀመረ፡ ሚሳይልን ኢንዳስትሪ ሚሳይልን ኢራን፡ "ምሉእ ብምሉእ" ክጠፍእ'ዩ፡" ኢሉ። ድሮናት ዝምልከት ግን ኣይተዛረበን። እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ትሑት ዋጋ ዘለወን ድሮናት ተጠቒማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
ኣትሌት ናሆም ኤርምያስ ንማራቶን ኣስመራ ክልተ ግዜ ድዩ ሰለስተ ግዜ'ዩ ተዓዊትሉ?
እንተዀነ ኣብቲ ብቐጥታ ብሃገራዊት ተሌቪዥን ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ ኣትለት ናሆም ኤርምያስ ነዚ ውድድር እንተ ተዓዊትሉ እቲ እንኮ ኣብዚ ውድድር 'ሃትሪክ' ዝሰርሐ ክኸውን'ዩ ክብሉ ምስ ተሰመዑ፡ ነዚ ውድድር ሓንሳብ ጥራይ ከምዝተዓወተሉ ዝገልጽ ጽሑፍ ብዝተፈላለዩ ሰባት ይሰፍር ነይሩ።
ትራምፕን ነታንያሁን፡ ትልሚ ምቕያር ማእከላይ ምብራቕን ዝፈጠርዎ ዘይዓርፍ ቅልውላውን
ስርዓት ኢራን ፡ ትራምፕን ነታንያሁን ካብ ዝገመግምዎ ንላዕሊ፡ ንምስባሩ ኣዝዩ በዳሂ ዝዀነ ሓይሊ ኰይኑ'ሎ። ገምጋሞም ጌጋ እዩ፣ ሳዕቤናት ናይቲ ኵነታት ድማ ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ሕጂ ዘሎ ስግኣት፡ ናብ ቅሉዕ ውግእ እናኣተወን እናወጸን ዝቕጽል፡ ነዊሕን መዳኸምን ዝዀነ ቀጻሊ ቅልውላው (permacrisis) ናይ ምፍጣር ሓደጋ እዩ።
ሰሜን ኮርያ ምስ ቻይና ዝነበራ ርከብ ዝቐየረትሉ ሜላ
እቲ ዓቢይ ትጽቢት ዝተገብሮ ካብ 8-9 ሰነ ዝካየድ ዋዕላ፡ ድሕሪ'ቲ ሺ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብኣካል ምርኻቡን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ቻይና ዝገበሮ ምብጻሕን ርክብን'ዩ ናይ ሰሜን ኮርያ ገይሹ።
ኪዳን ኤርትራን ግብጺን - ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎ ጽልዋን
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እታ "ታሪኻዊት ጸላኢተይ" እትብላ ግብጺን ዝጸንሐ ፍልልይ ዛጊት ብዘተ ክፍታሕ ስለ ዘይከኣለ፡ ብፍላይ ደሕሪ ምዝዛም ዓቢይ ግድብ እቲ ኣብ መንጐአን ዝጸንሐ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቍርቍስ ገና ዓሚቝ እዩ ዘሎ።
ፊፋ ናብ ስታድዮማት ዋንጫ ዓለም ከይኣትዉ ዝኸልከሎም ነገራት እንታይ'ዮም?
ፊፋ ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ጎማታት መትሓዚ ማይ ሒዝኻ ናብ ስታድዩማት ዋንጫ ዓለም ምእታው ከምዝእግድ ደንጉዩ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ኣፍሊጡ። እቲ ኣቐዲሙ ዝተኣወጀ ሕጊ ስታድዩም "ባዶን ዳግማይ ኣብ ትቕሚ ክውዕል ዝኽእል ሓደ ሊትሮ ዝሕዝ ፕላስቲክ ናይ ማይን ጥርሙዝን ናብ ስታድዩም ክኣቱ ይኽእል እዩ" ዝብል'ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ውድድር ክጅመር ሓደ ሰሙን ጥራይ ምስ ተረፎ ናይ ማይ መትሓዚ ጎማታት ጥርሙዝ ይኹን ታኒካታት ናብ ስታድዮም ከይኣቱ ከልኪሉ ኣሎ።
ብዛዕባ ንትራምፕን ናታንያሁን ዘባኣሰ ርክብ ተሌፎን እንታይ ንፈልጥ?
ምስ ብዙሓት መራሕቲ ኣመሪካ ናብ ምትህልላኽ ብምእው ዝፍለጥ በንያሚን ናታንያሁ፡ 'ምስ መሓዝኡ ትራምፕኸ እንታይ እዩ ኣራኺቡዎ?' ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ- ኪም ጆንግ ኡን፡ ስለምንታይ'ዩ ብዛዕባ ኣዲኡ ዘይዛረብ?
ሓደ ካብቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ብምስጢር ዝሓዞም ነገራት፡ ብዛዕባ ኣዲኡ ዝምልከት እዩ። ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ 15 ዓመታት ኣብ ኣደባባይ ስም ኣዲኡ ጠቒሱ ኣይፈልጥን።
ዘይምዕሩይ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኵነታት እታ ሃገር እንታይ ይብል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ዋላ እኳ ብቐጥታ ብህዝቢ ዝምረጽ እንተ ዘይኰነ፡ መረጽቲ ነቶም 547 ኣባላት ዘለውዎ ባይቶ ዝውክሉ እዮም ዝመርጹ። እንተ ወሓደ 274 መናብር ዘረጋገጸ ውድብ ድማ ነታ ሃገር ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝመርሕ መንግስቲ ናይ ምቛም መሰል ይረክብ።
ሚልዮናት ሰባት ነዊሕ ዕድመ ንኽነብሩ ዝሕግዙ ንጥፈታት ሓሙሽተ ደቒቕ
ኣብ ቀረባ እዋን ሓደ ነገር ንጹር ኰይኑ ኣሎ፤ ረብሓታት ኣካላዊ ንጥፈታት ንምርኣይ፡ ከቢድ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ምግባር ከም ዘየድልየና እዩ።
ኣሕመዲነጃድ፡ ካብ ዕሉል ጸላኢ ናብ ተስፋ እስራኤል
ንሓያሎ ዓመታት ብትሪ ጸረ-እስራኤል መግለጺታቱ ዝፍለጥ ዝነበረ ፖለቲከኛ፡ ሕጂ ኣብ ገለኦም ጸብጻባት ከም ሓደ ናብ ስልጣን ክመጽእ ተኽእሎ ዘለዎ ኰይኑ ይቐርብ ኣሎ።
እታ 'በሎኽ ዝበለት ኤርትራ' ብግዜ ናጽነት ዝቐረበት ፈላሚት መጽሓፍ
እቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ንፈለማ ግዜ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ንቍጠባዊ ብድሆታት ንምግጣም ዝተጋብኡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተወኪሎም ዝመጽኡ 21 ምሁራንን 7 ትካላት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ተሳቲፎም ብዘመንጨውዎ ጽሑፋትን ክትዓትን መሰረት ገይራ እያ ተጻሒፋ።
ስለምንታይ ኢና ድሕሪ ሞትና ክንዘከር እንደሊ?
ሓግጊ ምግዳፍ ዝብል ሓሳብ ሒደት ግዝያት ተሪፉና ኢሎምን ንዝሓስቡ ኣረጋውያን ወይ ብሕማም ንዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ህጹጽ ጉዳይ እኳ እንተዀነ፡ ገለ ተመራመርቲ ግን እዚ ድርኺት'ዚ ገና ካብ ንእስነት'ውን ክጅምር ከም ዝኽእል ይከራኸሩ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ናይ 'ጽምዶ' ሓይልታትን መረጻን ዝሃቦ ሓድሽ መግለጺ
እቲ ውጽኢቱ ገና ዘይተገልጸ ሃገራዊ ምርጫ ሰፊሕ ከባቢታት ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን፡ ከምኡ'ውን ክልል ትግራይ ብዓቢዩን ዘይተሳተፍዎ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ መስርሕ፡ ካብ 10,400 ንላዕሊ ን42 ፖለቲካውያን ሰልፍታት ወኪሎም፡ 80 ድማ ብውልቆም ዝተሳተፉ ሕጹያት ንሃገራውን ክልላዊ ባይቶታትን ከም ዝተወዳደሩ'ውን ጠቒሱ'ሎ።
'ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ግብጻዊ ሚኒስተር
ዓቢ ጕጅለ ልኡኽ መሪሑ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ስፍሕ ዝበለ ቃለመሕትት ኣካይዱ። በድር ዓብደልዓጢ ከም ዝበሎ፡ ዝምድና ግብጽን ኤርትራን "ዓቢ ዓይነታዊ ገስጋስ" ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ዝተቖረሰት ትግራይ ኣብ ሃገራዊ መረጻ ክትሳተፍ ኣይትኽእልን- ዶ/ር ደብረጽዮን
ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ልዕሊ 45% ከባቢታት እታ ክልል "ኣብቲ ትሕቲ ወራር" ከምዘሎ ብምግላጽ "ዝተቖርሰት ትግራይ እያ" ዘላ ክብል ተዛሪቡ።
ፖለቲካዊ ቅልውላው ትግራይ፡ ክልተ ፕረዚደንት ክልተ ካቢኔ?
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ "ብሓይሊ" ዝተኻየደ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ "ኣኼባ ካቢኔ" ኮኒኑ። ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ንክልል ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣእትዩዋ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ 'ጽዩፍ' ተግባር ወተሃደር እስራኤል
እቲ ተግባር ኣብ ሓንቲ ደብል ዝተባህለት ክርስትያን ብብዝሒ ዝነብሩላ ቍሸት ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካልእ ወተሃደር እውን ንሓወልቲ የሱስ ክርስቶስ ብገጹ ብምድፋእ ብሞዶሻ ክሃርሞ እንከሎ ተራእዩ ነይሩ።
ትራምፕ፡'14 ነጥብታት' ኣብ ዘለወሉ ኲናት ኢራን 'ብቕልጡፍ ከም ዘብቅዕ ኣተንቢሁ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ብቕልጡፍ ክውዳእ" ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።
ህወሓት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲታት ምላሽ ሂቡ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሓይልታት ሱዳን ንዕጡቓት ህወሓት ናይ "ኣጽዋርን ገንዘብን ደገፍ" ከምዝሃበ ብምኽሳስ፡ ምዕራባዊ ዶባት ኢትዮጵያ ከምዝተጣሕሰን ትዕግስቲ ክገብሩ ከምዝመረጹን የመልክት።
ዝምድና ዋሽንግተን-ኣስመራ፡ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ እንታይ ይብል?
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ዛዕባ ተበግሶታት ምልዓል እገዳን ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኣመሪካን ኣመልኪቱ ዝወሃብ ዘሎ ርእይቶታት ምላሽ ሂቡሉ።
መቐለ፡ ጀነራል ታደሰ ንውሳነ ህወሓት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ
ማእከላይ ኰሚቴ ህወሓት፡ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመስረተን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎን፡ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ፈሪሱ በቲ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝተገብረ በይናዊ መረጻ ዝቖመ ክለላዊ መንግስቲ ክትካእ እዩ ወሲኑ።
ኣብ ግጭት ኣመሪካን ኢራንን እንታይ'ዩ ክስዕብ? ኣርባዕተ ክህልዉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት
ኣመሪካን ኢራንንን ኣብ ፈለማ ናብ ስምምዕ ኣይበጽሓን። ከም ዲፕሎማስያዊ ክሳራ ዝርአ ግን ኣይኰነን። እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ተወሳኺ ዝርርብ ናይ ምክያድ ተስፋ ብኸመይ ይርአ፣ ናብ ምጡን ግጭት ድየን ወይስ ናብ ዝሰፍሐን ዘይተርፍን ኲናት እየን ከምርሓ?
ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ትራምፕን ዘየሳነያ ሰለስተ ጕዳያት
ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኣብ መንጐ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለምን ፕረዚደንት ኣመሪካን ዝተጀመረ ዳርባ ቃላት ይቕጽል ኣሎ።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](/%20https://support.google.com/google-https-ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](/%20https://support.google.com/google-https-ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)























































![ኣብ ቅድመ መጻረዩ ኣብ ክልተ እግሪ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝደመቐ ኤርትራዊ ዓሊ ሴሌማን [የማነይ] ሓላዊ ልዳት ሃገራት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ሮንወይ ዊልያምስ [ጸጋማይ]](/%20https://support.google.com/google-https-ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/05c2/live/d5e6cba0-5408-11f1-8b8c-6d33e1d5abb6.jpg.webp)





